ናይ ስራሕ ኣከባቢ (Arbetsmiljöverket)

ኣብ ሃገር ሽወደን ብመሰረት ናይ ስራሕ ኣከባቢ/ሃዋህው ሕጊ፡ ኩሉ ሰራሕተኛ ግሩም ናይ ስራሕ ኣከባቢ ኪህሉዎ መሰል ኣለዎ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ብምኽንያት ስርሑ ኪጉዳእን ኪሓምምን ኣይግባእን።

ንሕና ካብ መንግስትን ባይቶን ሽወደን ነቲ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ዝምልከት ሕጊ፡ ብኩባንያታትን ትካላትን ይሰዓብ ምህላዉ ንምክትታል ስልጣን እተወህበና ትካል ኢና። ነዚ ድማ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ነተግብሮ፤

  • ነቲ ካብ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ሕግታት ዝምንጩ ዝርዝር መምርሒታት ብምስፋሕ
  • ኩባንያታትን ትካላትን ነቲ ሕግታትን መምርሒታትን ይስዕባ ምህላወን ንምርግጋጽ ነቲ ኣብ ኩሉ ሃገር ሽወደን ዘሎ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ብምቍጽጻር
  • ብዛዕባ ኣብቲ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ንድሕነት ዝምልከቱ ጉዳያት ሓበሬታ ምዝርጋሕ

ነቲ ናይ ስራሕ ኣከባቢኻ እቲ ወሃብ ስራሕ እዩ ሓላፍነት ዝወስደሉ

ኣብቲ ስራሕ ንዚህሉ ሃዋህው እቲ ወሃብ ስራሕ እዩ ቀንዲ ሓላፍነት ዝወስድ። ንሕና እናዞርና ነቲ ናይ ስራሕ ቦታታት ክንበጽሕ ከሎና፡ እቲ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ከመይ ከም ዚመስል ንዕዘብ፡ ኣብቲ ናይ ስራሕ ኣከባቢ ሕግታትን መምርሒታትን ይሰዓብ ምሃልዉ ድማ ንቈጻጸር። ገለ ጉድለታት ምስ እንረክብ ድማ፡ እቲ ወሃብ ስራሕ እዩ ከተኻኽሎ ዘለዎ።  

እቲ ኣብ ስራሕ ዚውክለካ

መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ዚርከቡ ቦታታት ስራሕ፡ ናይ ውሕስነት ወኪል ኣለዎም። ወኪል ውሕስነት ነቶም ሰራሕተኛታት ዚውክልን ነቲ ኣከባቢ ስራሕን ነቲ ወሃብ ስራሕን ኣመልኪቱ ድማ ጠለባት ዘቕርብ ሰብ እዩ። ኣብ ስራሕ ገለ ጸገማት ምስ ዘጓንፈካ፡ ምስቲ ወኪል ውሕስነት ክትዛተ ትኽእል ኢኻ። 

ርኸበና

በዚ ቍጽሪ ተለፎን ክትረኽበና ትኽእል፤+46 (0)10-730 90 00 ወይከኣ arbetsmiljoverket@av.se. ሰራሕተኛታትና እተፈላለየ ቋንቋታት ይዛረቡ እዮም፡ ንሕቶታትካ ድማ ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ፡ ሰዓት 08.00–11.30ኪምልሹልካ ይኽእሉ።

ኣስታት 600 ሰራሕተኛታት ኣሎና፡ ኣብ እተፈላለየ ናይዚ ሃገር ቦታታት ድማ ንርከብ፡ ካብ ሰሜን ክሳዕ ደቡብ።እቲ ቀንዲ ቤትጽሕፈትና ድማ ኣብ ስቶክሆልም እዩ። ብዛዕባ ናይ ስራሕ ኣከባቢ፡ መምርሒታትን ምቛም ሕግን ወይውን ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ኣገልግሎትናሕቶ ምስ ዚህልወካ፡ ኩሉ ግዜ ክንቅበለካ ድሉዋት ኢና፡

ትርጉም የብልካን ዲኻ?

በዚ ቋንቋዚ ዘሎ ሓበሬታ ውሱን እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብቲ ናይ ሽወደንን እንግሊዝን ገጻትና ይርከብ። ምስ ዘድሊ ብዙሕ ጽሑፋት ክንትርጉም ንኽእል ኢና። ትርጉም ምስ እትደሊ በዚ መርበብዚ ርኸበና arbetsmiljoverket@av.se

 

Last updated 2021-11-30